ተስፋ ዘሰንቅ ቃል ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ! ምስ ትግራይ ቲቪ ካብ ዝገበሮ ጻንሒት ዝተወሰደ።

ሓደራ ቃል ከይዓብር!

ፅባሕ ምእንታን ክንዝክሮ፤ ዘኪርና እውን አካይዳ እቲ ጊዜያዊ መንግስቲ ካብዚ ተበጊስና ምእንታን ክንግምግሞ፣ ንታሪኽ ተሰኒዱ ዝተቀመጠ ቪድዮ እዩ።

አብ ህጻውንቲን፣ ደቀ አንስትዮን ትግራይ፣ ብሓፈሻ ድማ አብ ህዝቢ ትግራይ ዝበጸሐ ግፍዒ ፈጺሙ ክርሳዕ ኸምዘይብሉ ኹሉ፣ እዚ ቃል ሌ/ጄ/ል ጻድቃን እውን ክርሳዕ የብሉን።

ትግራይ መመሊሳ ካብ ምውዳቅን ምብራስን፣ ትድሕነሉ ብሕታዊ መንገዲ፣ በዛ ሌ/ጄ/ል ጻድቃን ዝሓበራ አንፈት ትግራዋይ እንትጓዓዝ ጥራሕ እዩ።

ኩሉ ሓቋፋይ፣ ንኹሉ ዘሳትፍ፣ ህንጸት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ተግባራዊ ምስ ዝኾን እዩ።

አነ ጥራሕ እየ ዝፈልጠልካ ምባል ከብቅዕ አለዎ።

ሎሚ ሓሳብ ኸም ዕሾኽ ፈሪሕኻ፣ ፅባህ ብድሮናትን በኸበድቲ አጽዋራትን ካብ ምቅጥቃጥ፣ ዝተፈለዩ ሓሳባት ሎሚ ተጻዊርኻ ሰሚዕኻ አንፈት አካይዳኻ ምስትኽኻል አድላዪ እዩ።

0 replies

Leave a Reply

Want to join the discussion?
Feel free to contribute!

Leave a Reply