ዜናታት ኮረና ቫይረስ
Posted: Mon Mar 30, 2020 3:35 pm
ኣብ ትግራይ: ሓደ መንእሰይ ብፖሊስ ተቐቲሉ
---
ኣብ ትግራይ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት: ምስቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተኣወጀ ህፁፅ ኣዋጅ ብዝተኣሳሰር: ሓደ ኣባል ፖሊስ ንሓደ መንእሰይ ከምዝቐተለ ኣዛዚ ፖሊስ ናይታ ወረዳ ኢንስፔክተር የማነ ኪዳነማርያም ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ::
መዋቲ ሓጎስ ንጉስ ዝበሃል መንእሰይ ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ናይታ ወረዳ ገሊፁ'ሎ::
ብቕትለት እዚ መንእሰይ: ኮንስታብል ኣንጋው እሸቴ ዝበሃል ኣባል ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ'ውን ኣዛዚ ፖሊስ ናይታ ወረዳ ኣረጋጊፁ::
እቲ ቅትለት: ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ: ትማሊ 19 መጋቢት ጅራ ኣብ እትበሃል ጣብያ ዘጋጠመ ኾይኑ: ፖሊስ ኣብ እንዳ መስተ ንዝነበሩ ሰባት ክብትኑ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ::
እቲ መዋቲ: ብዝተተኮሶ ጥይት ህይወቱ ሽዑ ንሽዑ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ::
---
https://www.bbc.com/tigrinya