ብዛዕባ ኮረና ቫይረስ ሓበሬታ ብትግርኛ

Post Reply
User avatar

Topic author
gebetaforum
Site Admin
Posts: 71
Joined: Fri Aug 18, 2017 12:12 am
Contact:

ብ Alisheik A Adem

ቫይረስ እንታይ 'ዩ?
````````````````````
ቫይረስ ሓደ ካብ 'ቶም ብዓይኒ ዘይረኣዩ ደቀቅቲ መራዚ ፍጥረት እዩ።

ቫይረስ ኣብ ሞንጎ ሂወት ዘለዎን ዘይብሉን ዝምደብ ኮይኑ ኣብ ሂወት ዘለዎ ኣካል ምስ ዝዓርፍ ሂወት ዝዘርእ ካብ ሂወት ዘለዎ ምስ ዝእለ ድማ ሂወት ዘይብሉ ኮይኑ ኣብ፡
  • ናሓስ........ 4 ሳዓት
  • ባኮ ........ 24 ሳዓት
  • ሓጺን. .... 72 ሳዓት
  • ላስቲክ.... 72 ሳዓት
  • ብርጭቆ..96 ሳዓት
ክጸንሕ ይኽእል።

ዓይነታት ቫይረሳት
  • ኣር ኤን ኤ (RNA)
  • ዲ ኤን ኤ (DNA)
ምድባት ኮሮና ቫይረሳት።
  • ኣልፋ
  • ቤታ
  • ጋማ
  • ዴልታ
ኣብ ትሕቲ ቤታ ክሮና ቫይረሳት፡

1. SARS-COV
2. MERS-COV
3. SARS-COV-2

SARS-COV-2 አር ኤን ኤ ቫይረስ ሞሎኲል ኮይኑ 30 ሽሕ መስረታዊ ዘርኢ (bases) 15 ዘርኢ (genes) ኣልዎ። ሕማም ኮሮና ብSARS-COV-2 ቫይረስ ዝማሓላለፍ ኮይኑ እቲ ሕማም ድማ ኮቪድ-19 ተባሂሉ ይፍለጥ። ኮቪድ-19 ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ኣብ ሃገረ ቻይና ክ/ግዝኣት ዉሃን ንፈለማ ግዘ ተራእዩ።

ቫይረሳት ብከመይ ይራብሑ?

ቫይረሳት ኣብ ካልእ ሂወት ዘለዎ ዋህዮ ኣትዩ ብናህቱ ትእዛዙ ይራባሕ። ኣብ ከይዲ ምርባሕ ዝፍጠር ናይ ዘርኢ (RNA OR DNA) copy ኣብ ምግባር ሓድሽ ቫይረስ ይፍጠር። እዚ ሓድሽ ቫይረስ ካብ ወላዲኡ ናይ ምምራዝ ብቕዓት ዝተሓተ፥ ማዕረ ወይ ድማ ዝኸፈአ ባህርይ ሒዙ ክፍጠር ተኽእሎ ኣሎ።

[*]ኮሮና ቫይረስ ከም ኩሎም ቅድሚ ሕጂ ተረኣዩ ቐተልቲ ቫይረሳት ብናይ ዘርኢ copy ጌጋ ዝተፈጠረ ቫይረስ ይገብሮ። ኣብ'ዚ ወዲ ሰብ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለ ደረጃ ዘርኢ -ምህንድስና ሓደሽቲ ቫይረሳት፥ ባክተርያን ፈንገስን ካልኦት ተመሳሰልቲ ነገራት ኣብ ቤተ-ፈተነ ክሰርሖም ካብ ዝጅምር ዉዒሉ ሓዲሩ እዩ።

ቫይረስ ፍሉይ ዝገብሮ ካብ እንሰሳ ናብ ሰብን ዝመሓላለፍ ምዃኑ እዩ። ብፍላይ ድማ መንካዕ (bats) ንኮሮና ቫይረስ ቐንዲ ተሸካሚት እንሰሳ እያ።
  • እዚ ተቐያያሪ ባህሪ ቫይረስ መድሓኒት ክትረኽበሉ ኣዚዩ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል ወይ ድማ ከይትረኽበሉ ይኽእሉ። ነገር ግን ናይ'ዚ ድኹም ዓሌት (attenuated ቫይረስ) ተጠቒምካ ክታበት ኣዳሊኺ ኣቀድምካ ወዲ ሰብ ብምኽታብ ተጻዋርነት ኣብ ሰብነት ብምምዕባል ምክልኻል ይካኣል 'ምበር ንቫይረስ ፈዉሲ ምርካብ ዳርጋ በ'ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐስ ምኽንያት ኣፀጋሚ ይገብሮ።
  • ስለ'ዚ ወዲ ሰብ ፍቱን መድሓኒት ምክልኻል ቫይረሳት ብዉልቀ-ጽሬት፥ ማሕበራዊ-ጽሬት ብምሕላው ምክልኻል ይካኣል። ብተወሳኺ ድማ ካብ ኩሉ ማሕበራዊ ርክባት ነብስኻ ምክልኻል ከም ካልእ ኣመራጺ ክዉሰድ ይካኣል።
ኢድ ምሕጻብ

ኢድ ምሕጻብ ኣገዳሲ ዝኸዉን ብኢድና ኩሉ ነገር ስለ ዝተናኽፍ ካብ ተበከለ ቦታ ብኢድና ሒዝና ኣፍና፥ ኣፍጫናን ዓይናን ምስ ንተናኽፍ ናብ ነብስና ናይ ምእታው ዕድሉ ስለ ነስፍሓሉ እዩ።

ኢድካ ብማይ ጥራይ ምሕጻብ እኹል ኣይኮነን። ማይን ሳሙና ዝኾነ ዓይነት ጌርካ ን20 ሰከንድ ምድራዝ ንኮሮና ቫይረስ ናይ ምብታንን ተኽእሎ ዝላዓለ እዩ። ኣልኮል 'ዉን ተመሳሳሊ ንኮሮና ቫይረስ ከረጢት (membrane) ንምፍራስ ዓቢ እጃም ኣለዎ።
  • ኮሮና ቫይረስ ንኩሉ ዕድመ ብርኪ ዝርከብ ወዲ-ስብ ንዝኾነ ዓሌት ወዲ ሰብ ዶብ-ኣልቦ ዘጥቅዕ ቫይረስ ስለ ዝኾነ ኩሉ ጉጉይ ሓበሬት ክህልዎ ኣይግባእን።
  • ናብራ ስራሕ ከይ ሰራሕካ ከቢድ 'ኳ እንተኾነ ኣብ ገዛ ተሓይብካ ምጽናሕ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ።
  • ኮሮና ዘጥቅዖ ክፋል ኣካላትና
ኮሮና ብፍላይ ዘጥቀዖ ኣካላት ስርዓት መተንፈሲና ካብ ኣፍንጫ ስካብ ታሕተዋይ ኣካል ሳንቡእና እዩ። ብተወሳኺ ማዓናጡ፥ ልቢ፥ ኩሊት፥ ከብዲን ማእከል ስርዓተ-ሓንጎል ዘጥቅዕ ቫይረስ ምዃን ንወዲሰብ ሓደገኛ ይገብሮ።
Post Reply